ሓሬና
ቀንዴል ልበይ ሓሬና
ኣቦኺ የለን ልዋመይ
የለን ድባበይ፣ (2)
ስእሉ ኣይሓዝኩን እቲ ምምራሩ።
ዓቐብ ቁልቁል ጽንኩር ኔሩ።
ክነግረኪ’የ እቲ ምስጢሩ
ዛንታ’ቦኺ ኽትኮርዕሉ፣
ደግለል ኔሩ ብማዕዶ ዝለለ
ጀብጀብ ጸጉሩ ንገጹ ዘጽለለ
ወትሩ ሕጉስዩ ድራሩ ፍሽኽታ
ሓሬናየ ክኾነኪ ዛንታ ፣ (2)
ኣየ ጠባይ ሕዉስ ዕጉስ
ኢድካ ኣብ ኣፉ ዘይናኸስ
ኣያ ብሬን ተባሂሉ
ኣየውዕልካ ኣብ ምንዳሩ፣
ሓሬናየ ካብ ከበሳ ኣዝሊቕና
ውግእ ቀንዩ ናቕፋ ምስ ዓረድና
ጎልጎል ኣግራዕ ወራር ምስ ቀዘፍና
ምስ’ቦኺ ደቂ ጋንታ ኮይና፣ (2)
ምሳይ ኔሩ ኢትትሕልበብ
ሩባ ሕዳይ ክንላዘብ
ጎቦ እምባ ኣትዩ ኣብ ዓይነይ
ኣፍሪስዎ መንደቕ ልበይ፣
ሓላል ፍቕሩ ዘርዩብ ደመይ
ቀንዴል ልበይ ሓሬና
ኣቦኺ የለን ልዋመይ
የለን ድባበይ፣
ሓሬናይ ዕበይለይ።
ተማሂርኪ ሰብ ኩንለይ።
ዛንታ’ቦኺ ክትነግርለይ።
ሓሬናየ ቀንዴል ልበይ፣
ግንባር ናቕፋ ኣብ ዕርዲ ቀደምና
ጎኒ ደንደን ኣብ ታባ ሓሬና
ምስ’ቦኺ ብፍቕሪ ማሚቑና
ኣሕሊፍናዮ ማይን ጸባን ኮይንና ፣ (2)
ሓሬናየ ሻድሻይ ወራር’ዩ
ኣማዕድየዮ ክታኾስ ደው ኢሉ
ኣሎ ክብልምበር ሽዑ’ንዶ ነቒሉ
ኣብ ማህጸነይ ንዓኺ ተኺሉ ፣ (2)
ሓሬናይ ዕበይለይ።
ተማሂርኪ ሰብ ኩንለይ።
ዛንታ’ቦኺ ክትነግርለይ።
ሓሬናየ ቀንዴል ልበይ፣
ግዜ ኣርኪቡ ኣኺሉ ምውላድኪ
ተኽሊ-ወይነይ ኣብ ሕቕፈይ ዓሊብኪ
ምስሊ እቦኺ ተራእዩኒ ኣብ ገጽኪ።
ብኹሪ ውላደይ ሓሬና ሰምየኪ፣ (2)
ሓሬናየ ሻድሻይ ወራር’ዩ
ኣማዕድየዮ ክታኾስ ደው ኢሉ
ኣሎ ክብል ሽዑ’ንዶ ነቒሉ
ኣብ ማህጸነይ ንዓኺ ተኺሉ
ሓሬናይ ዕበይለይ።
ተማሂርኪ ሰብ ኩንለይ።
ዛንታ’ቦኺ ክትነግርለይ።
ሓሬናየ ቅንዴል ልበይ፣