Sunday, 2 September 2007

Medeb Kolahta Transcript

ጋዜጠኛ ኣስመሮም በርሀ ዘዳለዎ መደብ ቆላሕታ ኣብ ሞዛይክ ቲቪ-ኤረ
Asmerom Berhe [A.B.] is the presenter of medeb Kolahta.
The Sunday TV show [Mozaik-medeb kolahta] that gets repeated on Fridays, that appeared brings topics of much variety that are critically educational, informative and entertaining. This national television is broadcast also world wide via the satellite and online. The interview was with young Eritrean Jonathan Okbamichael Haile, and it portrays issues of youth and their activities abroad regarding the homeland.


ኣስመሮም በርሀ :-
መግለጺ ሰብ ካብ ዝብሃሉ ሓደ መንነት እዩ፣ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ እንታይነቱ ዘይርስዕን ኣማጻጽእኡ ዝነግርን እምበኣር በቲ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ዝኣምንን መን ምኻኑ ዘየሕፍሮን ክባሃል ይኽእል፣
ዝበዝሑ መን ምዃኖም ዝሕፍሮም ሰባት ካብ ከባቢኦምን ሃገሮምን ምስ ረሓቑ ሓድሽ ነቲ ክቕየር ዘይካኣል ነቲ ኣብ ደሞም ዝሰረጸ መንነቶም ከይተረፈ ከጥፍኡ ጻዕሪ የካይዱ፣
ዘይከምዚኦም ኣብ ስደት ዝርከቡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ብፍላይ መንእሰያት መንነቶም ንምንጋርን ሓገዝ ንሃገሮም ምብርካትን ካብቲ ኣዝዩ ዘኹርዖም ንጥፈታት እዩ፣

As introduced by the journalist A.B.:

"what defines humans and differentiate them to animals is their Identity and sense of origin. Hence a person who is never ashamed or shy to tell and explain his origins is only accepting nature’s rules and is proud to do so. Majority of people when they immigrate to a far land do not talk about where they come from and some even go as far as denying their origin and try to alter or conceal their deep sense of identity. Unlike these people the majority of Eritreans especially the youth work tirelessly to tell about themselves and their roots. And have worked hard to remember the motherland and help their country and people as in any way they can. "



(ዮ.ዑ.ሃ.)
እዚኣ ከም ቡዙሕ ኣበርክቶ ኽትቁጸር ኣንድሕር ኮይና ደሓን ካልእ ሕቶ እዩ። ብዓይነይ ግን ዓቢ ኽብሎ ኣይኽእልን እየ ። እንድሕር ጠቒማ ግን ልዕሊ ኹሉ ነገር ሃገርካ እንድሕር ዘይትብል ኮይንካ ኣብ ዘለኻዮ ኮይንካ : ንስኻ የለኻን ማለት እዩ፣ ሕጂ ሃገርካ ኽኣኒ ንእሽቶይ እያ : ሕጂ እያ ትምዕብል ዘላ : ኣብ ዘለኻዮ ቦታታት ደሎ ጸጋታት ድዩ ትምህርቲ ኽኣ መዝሚዝካ ንሃገርካ ከተብሎ እንድሕር ዘይከኣልካ የለኻን ማለት እዩ፣ ስለዚስ እቲ ግቡአይ እየ ኽኣ ዝገብር ዘለኹ እምበር ሓለፋ ኣይገበርኩን ማለተይ እየ፣

What got me motivated is, the fact that Eritrea is such a young country and has to start from below zero economic equity, is Love of country and people… Every help that any one give to Eritrea to reduce accidents which in turn help reduce the damage to growth and development by reducing the suffering of the people should be urgent. And as Jonathan I see this as my duty to help my country.
ኣስመሮም በርሀ :-
ዮናታን ሃይለ ዑቕባሚካኤል (ዮ.ዑ.ሃ.) ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየን ኣብዚ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጥን ሜካኒካል ኢንጂነሪንግ ተማሂሩ ኣብ ሓደ ናይ መጓዓዝያ ትካል እዩ ዝሰርሕ ዘሎ፣ በዚ ምኽንያት ድሕነት ቀዳምነት ምዃኑ ብምርዳእ ንድሕነት ዝጠቕሙ ከም ሃይ ቪዚቢሊቲ ሴፍቲ ኽዳውንቲ ብሓገዝ ንሃገሩ ከበርክት ሓሳብ መጾ፣
Journalist introduces Jonathan O Haile, an Eritrean who was born in Eritrea and who currently reside in UK and had a degree in mechanical engineering and who now works for a transport company. And it is during his employment that he come to learn and understand the need of safety at work and decided to donate and introduce the Hi Visibility jackets for his country.
(ዮ.ዑ.ሃ.)
እቲ ኣበጋግሳ መጀመርያ ኣብ ሕቶ ዝነበረ ።

“ኣብ ሃገርና ኣሎ’ዶ የለን ከምኡ?” ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ፣
“ብቐጻሊ ሓደጋ ዝርከበሉ ቦታ ኣበይ እዩ?” ወይ
“እንታይ ዝኣመሰለ ምጓዓዝያ እዩ ብዙሕ ሓደጋታት ዝርከቦ?”
ዝብል ሕቶታት ክምለስ ኔሩዎ ።። ሕጂ ንሱ ኣብ መጽናዕቲ ኸሎ ማዕረ ማዕሪኡ ኽኣኒ እሞ ንመርኣዪ ዝኸዉን ድዩ ነቲ መበገሲ ዝኸውን ከኒ እንታይ ይገበር ዝብል ሓሳብ ብምቕራብ ነቶም ኣነ ዝሰርሓሎም ካምፓኒ (ትካል) ከም ወፈያ ድዩ ዋላ ኸም ብዝበለጸ ንሳቶም ስለ ምስቶም ንዕኡ ዝሰርሑ ዝዋሰዩ’ሲ ሓበሬታ ንኽህቡኒ ዶማንዳ ድዩ ክባሃል-ሜሞ ኣቕሪበ ማለትዩ ። ንሶም ክኣ ነቲ ሓሳብ ተቐቢሎም ዝያዳ ኽኣ ብዛዕባ ኤርትራ ክትነግረና እሞ እቲ ንገብሮ ንርኢ ገለ ስለ ዝበሉ እቲ ስራሕ ካብኡ እዩ ተጀሚሩ ማለት እዩ፣
ናይ ጎስጓስ ስራሕ ክኣ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ እዩ፣ ምኽንያቱ እታ ጃኬት(ሰደርያ) ጥቕማን ኣጠቓቕማኣን እንድሕር ዘይነገርካዮ-ንሓደ ሰብ ኣብ ጥቕማ ስለ ዘይትውዕል ንዑኡውን ጎስጓስ ከመይ ጌርካ ክካየድ ይካኣል ብዝብል ሓሳብ መራኸቢ ብዙሓን ከም መርበብ ወይ ወብሳይት ክኣ ንምዝርጋሕ ተጀሚሩ እቲ ስራሕ ማለት እዩ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ኽኣኒ ኣብ ሃገርና ኸኒ መን እዩ ነዚ ስራሕ እዚ ኸተግብሮ ዝግባእ? መን እዩኸ ወኪል ወይ ሓላፍነት ወሲዱ ነቲ ስራሕ ክከታተሎ ዝኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ዓበይቲ ትካላት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዋ ወይድማኒ ብኤምባሲ ደረጃ ኽኣኒ እንታይ ኣሎ ኣብ ሃገርና ክንራኸቦም ንኽእል ትካላት ድዩ ዋላ ሚኒስትሪታት ዝብል ሕቶታት እውን ማዕረ ማዕሪኡ ንሰርሓሉ ኔርና ማለት እዩ፣
ካብኣቶም ሓንቲ ካብተን ዝተማያየጥናለን ትካላት ማሕበር ረድኤት ኤርትራ (ወይድማ ኤራ) ትባሃል ኮይኑ ወኪል ኤራ ናብ ኤርትራ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ደሓን ኣነ እውን ብወገነይ ኽሓትት እየ ዝብል መልሲ-ኣታባባዒ መልሲ መጺኡና ማለት እዩ፣ሕጂ ካብኡ ሽም ንምጥቃስ እንድሕር ኮይኑ ኣደ ወንበር ናይ ኤራ ሰብለ ኤፍረም ትባሃል ነዚ ስራሕ ከም ሓላፍነት ወሲዳ መጺኣ ንኤርትራ መልሲ እውን ሒዛትልና መጺኣ ማለት እዩ፣ሕጂ ማዕረ ማዕረ እቲ መልሲ ናይታ ካምፓኒ ንጽበዮ ዝነበርና ነዚ ውክልና ንምውሳድ እውን ኤራ ጽቡቕ ግብረ መልሲ ረኺብና ኣብ ናይ መጓዓዝያን መራኸብን (ትራንስፖርት ኤንድ ኮሙኒኬሽን) ከምዘድልዮምን ክተሓባበሩና ከም ዝኽእሉን ሓበሬታ ረኺብና ማለት እዩ ፣

At the beginning there were many questions that needed to answered, Jonathan explains:
1-Does these safety jackets or hi Viz jackets exist in Eritrea.
2-where can one get the statistics about the accident prone areas, and modes of transport that are causing the most accidents.

Parallel to the above questions and queries, one had to the following :

A- Where can one find Hi Viz jackets or garments of safety so as to show people back home about their existence and benefits?
Here a memo was written to Metroline to ask for help in donation as well as information into how one can purchase similar garments in the future.

B- Who to contact back home, to take responsibility of distributing the garments, and monitoring their practical application. And this also includes identifying a body to centralise and coordinate from UK end. As this will need a body which can collect money and well established networking ability. The embassy as well as other individuals who hold key positions in the community, ERA etc were approached and depending on their individual ability and priority supported the project. ERA has started to communicate the idea and other aspects of health and safety with the Ministry of Transport and communication.

C- How to do the campaign to introduce the safety jackets at national level as well as Eritreans in UK and abroad? And these campaigns are crucial as it will be fruitless to give jackets to people if you don’t explain what they are for. Hence meadna website and yahoo group of the UK youth association were identified as media to communicate the progress of the idea and its progress was constantly posted from its conception till delivery.

ኣስመሮም በርሀ :-
ሃገርካ ማዕረ ማዕረ ምስ ዝማዕበላ ሃገራት ክትወዳደር ካብ ዘኽእላ ሓደ ድሕነት ህዝባ ክትሕልወሉ እትኽእለሉ መገዲ ምጽራግ እዩ ፣ ዮናታን እውን ንኣጠቓቕማ እዚ ዘንጻባርቕ ክዳን ክዳን ናይ ድሕነት መጀመርታ ኣፍልጦ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ እዚ ኽዳን ኽተኣታቶ እዩ ጽዒሩ፣ ኣብ ሎንዶን ንዝቕመጡ ኤርትራውያን እውን ጎስጓስ ጀመረ፣
For our country to be on the level of developed countries and compete at equal pace it has to pave ways to protect and safeguard her people. And Jonathan is doing just by being one of the first people who are introducing the safety jackets at such a large scale. And Jonathan started the work by starting to campaign the Eritreans in London[UK].
(ዮ.ዑ.ሃ.)
ጎስጓስ ክኣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንኽዝርጋሕ ዝተሓባበሩ ከም መርበብ መኣድና ዶት ኮም ትባሃል ኣጸቢቖም ተሓባቢሮም ስእልታት ድዩ ዋላ እቲ ሪሰርች ዝወጸ እውን ብዛዕባ ሓደጋታት ድዩ ዋላ ጥቕሚ ናይቲ ናይ ድሕነት ጃኬት ተሓባቢሮም ከምኡውን መርበብ መራኸቢ ወይድማ ያሁ ጉሩፕ ዝባሃል ናይ ማሕበር መንእሰያት ኣብ ሎንዶን ዘሎ ነቲ ሓሳብ ናይ ምልውዋጥን ደገፍ ናይ ምሃብን ተሓባቢሮም ፣ ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ዝዓበየ ተስፋ ዘውህብን ደገፍን ናይ ንዋት ደገፍ ዝገበረት ኤራ ኾይና እቲ ዳርጋ 90% ወይ ድማ 1500 (ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን) ዝኸውን ጃኬታት እውን ኤራ ባዕሎም ገዚኦም ንኤርትራ ክኸይድ ከሎ ኽኣ መስደዲኡ እንኮላይ ኣብ ኮንተይነር ምስ መጽሓፋቲ ክኸይድ ዝተሓባበሩ ብዙሕ ተስፋ ዘውህብ እሱ እዩ እቲ ዝበለጸ ኔሩ እቲ ጎስጓስ…ዕድል ክኣ ተሓዊሱዎ ማለት እዩ፣

Jonathan explains to the way things turned out, and thanks ERA [Eritrean relief Association] for their contribution of 1500 jackets and shipping the jackets together with The Books for Eritrea [project handled by AGE and EYAUK] container.

ኣስመሮም በርሀ :-
ቀዳምነት ንድሕነት ምሕሳብ ካብ ሓደጋ ምግልጋል ።ንምዕባለ ዝዕንቅጹ መገዲታት ምቑራጽ ማለት እዩ ። በዚ ዘንጻባርቕ ኽዳን ኣብ ዘድልየሉ ቦታታት ብምኽዳን ብገለ ዓቐን ንምዕባለ ምስራሕ እዩ፣ ዮናታን እውን ነዚ ብምርዳእ እዩ ንሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸብታትን መበገሲ ዝኾኖም ኣንጻባራቒ ኽዳን ብሓገዝ ኣወፈየ፣

To think about Safety above anything is to be free from accidents and to lower and terminate the factors that make development hard. In wearing this reflective clothing at necessary and exposed areas you will be able conduct developmental as well as your daily activities at relative safety. And this thinking is what got Jonathan wanting to practically help introduce the idea of health and safety garments, jackets and overalls. And this is shown by the donations of Jackets to the ministry of Transport and communication.
(ዮ.ዑ.ሃ.)
መብዛሕትኡ ግዜ ኣታ ካምፓኒ ብዙሕ ግዜ ሰራሕኛታት ይወጹን ይኣትዉን እዮም ኣነ ትጽቢተይ ዝነበረ 2-3 ዶኾን ሰራሕተኛ ክውጽይ እንከሎ ዝገደፎ ይህቡኒ ይኾኑ እዩ መጀመርያ ዘበገሰኒ ግን እቲ ጽሑፋትን ተበግሶታትን ምስ ረኣዩ 500 (ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ) ዝኸውን ክንህበካ ንኽእል ኢና ዝብል መልሲ ምስ ረኸብኩ ንኻልእ ጎስጓስ’ውን ኣተባቢዑኒ ማለት እዩ፣ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ እታ ካምፓኒ ኹሉ ግዜ ሎጎ ዘለዎ ናይታ ካምፓኒ እያ ትጥቀም ኔራ ሕጂ ግን ደሓን እቲ ሎጎ ኸማን ክንኣልዮ ኢና ። እንታይ ሳይዝ ወይ ዕቅን (ዓቐን) ከ ትደሊ ዝብል ተወሳኺ ምትሕብባር ብምግባር ካብኡ ሓሊፎም እውን ኩሉ’ቲ ብዛዕባ ኤርትራ እንታይ ክትነግረና ትኽእል ዝብል ኢንተርቪው ወይድማ ሓተታ ጌሮም እውን ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣኒ እቲ ተበግሶታት ብምቅላሕ ኣብ መጋዚን (መጽሄት) እውን ብምውጻእ ተሓባቢሮሙኒ ማለት እዩ፣ እታ መጋዚን በታ ካምፓኒ ወይ ድማ ሜትሮላይን ትባሃል ናይ ኣውቶቡስ ካምፓኒ ኾይና ሜት ላይፍ ትብል ወርሓዊት መጋዚን ንኹሉ ሰራሕተኛ ትዕደል ኣላ ማለት እዩ ። ባዕላቶም ብዝገበሩዎ ሪሰርች ኩሉ ብዛዕባ ኤርትራ (ኦል ኣባውት ኤርትራ) ኣብ ዝብል ዓምዲ ብምስፋር ኩሉ ሕቶታት ዝነበረ እቲ ተበግሶታት ከመይ እዩ ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ። እንታይ ትናፍቕ ኩሉ ሕቶታት ብምምላስ ካብ ዝተጸብኹዎ ንላዕሊ ኣቕሪቦሞ ማለት እዩ። ሕጂ እታ መጋዚን (መጽሄት) ናይቲ ስራሕ ንሰራሕተኛታት ትዝርጋሕ ኮይና ሜት-ላይፍ እያ ማለት እዩ ፣ ኣብኡውን ብዙሓት ኤርትራውያን ክኣ ስለ ዝሰርሑ (ምስታ ካምፓኒ) ንዕኦም እውን ሓበን ተሰሚዑዎም ቀጻሊ ደገፎም ከም ዘወፍዩ ሓቢሮሙኒ ማለት እዩ፣
Jonathan’s initial expectation was to receive a donation of a few jackets that were left behind by employees of Metroline who have resigned. But the idea got Metroline interested and asked for more information about the project and more about Eritrea.
Metroline offered around 500 Jackets !, posted the interview with Jonathan on their met life magazine [On a page all about Eritrea]!, and dropped all logos of Metroline from the jackets, and this is to respect the project as well as cost wise it is cheaper to have it with out logos.




ኣስመሮም በርሀ :-
ብዘይካ’ዚ ኣብ ሎንዶን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብመንነቶም ኣዝዮም ካብ ምሕባን ዝተላዕለ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝገበሮ ውድድር ንኽዕጅብዎ ብዓቢ ሓበን ግዚኦም ኣወፍዮም ደገፎም ንኽገልጹ ሃገራዊ ባንዴራና ብምብልባል ንኤርትራ እውን ብዓለም ደረጃ ኣብ ኣትሌቲክስ ንኽትፍለጥ ከም ዝጽዓረ እዩ ዮናታን ዝገልጽ፣
The patriotism of Eritreans who live in London is unparalleled and this drive got them wanting to support athlete Zeresenay Tadese in Scotland.
Jonathan is proud to be able to organise such enthusiastic group of Eritreans and wave the national flag and get Eritrea and her athletes known around the world.


(ዮ.ዑ.ሃ.)
መንእሰያት ቁሩብነት ናይ ሃገሮም ክትልዓል ወይ ድማ ሽማ ላዕሊ ክውንጨፍ ዝገብሩዎ ጻዕሪ ኩሉ ግዜ ኣብ ቦትኡ ኾይኑ ግን ቁሩብ ኣፋፍኖት ምስ ዝረኽቡ ኩሉ ግዜ ቁሩባት ኮይኖም ዝመጽኡሉ ዕድል ተረኺቡ ከም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ናይ ጉያ እግሪ እዩ ዝካየድ ሓንቲ ኣብ ማንቸስተር ሓንቲ ኣብ ስኮትላንድ ኮይኑ ተወዳደርቲ ካብ ኤርትራ መጺኦም ኣብኡ ከም በዓል ዘርእሰናይ ። ስምረት ። ዮናስ ክመጹና ከለዉሲ ከመይ ጌርና ንድግፎም ዝብል ተበግሶ ብምግባር ካብ 2006 ኣትሒዝና ብዝተጠርነፈ መንገዲ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ጌርና ኔርና። ባንዴራታት ኣኪብና ከምኡውን እታ ዓዲ ቁሪ እያ ሰሚዕና ጋብታት ዘይንሕዝ ኢልና ሓንቲ ኽኣ እቲ ህቡብ ጎያያይ ዘርእሰናይ ንዑዑ ህያብ ኢልና ከም ሽሙ ብርኪያሞ ዝተጻሕፋ ጋቢ እውን ተማሊእና ማለት እዩ ፣ ንሳ እውን ምሳና ጌርና ንሳኣል ኔርና፣ ኣብቲ ማእከል ጉያ እውን ኣብ ቢቢሲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ላይቭ ስለ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መብዛሕትኡ ሰብ ሳርፕራይዝድ ኮይኑ ባንዴርኡ ኣብ ቲቪ ክርእያ እንከሎ ዳሕራይ ደደዊሎም እሞ ዝያዳ ክትርኣዩ በዚ በሉ በቲ ኣብሉ እንዳበሉ ይመርሑና ኔሮም፣ ብጣዕሚ ዘሐጉስ እዩ ፣ዳሕራይ ምስ ተወድአ እውን ንዘርእሰናይ ሓንጙርና በቃ። መዓት ሳዕስዒት እዩ ኔሩ፣ ኣብኡ በቃ ብርእዮሞ ዘይፈልጡ ኣገባብሲ እታ ዓዲ ጽቡቕ ኔሩ፣

The Eritrean youth are always ready to get Eritrea and her achievements shouted and her name on a mantel piece, among the best in the world. And recently we have come to recognize two great days in the calendar especially in UK that athletes from Eritrea like Zeresenay and Smret come and compete. On the 2006 trip which is well documented and on DVD was broadcasted on the BBC live and was great.


ኣስመሮም በርሀ :-
መበገሲ ናይዚ ሓሳብ ዮናታን ከም ዝገለጾ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ሃገርና ኣብ ኤርትራ ንዘጋጥሙ ሓደጋታት ትራፊክ ክግለጽ ከሎ ኣዝዩ ምብዝሑ ስለ ዘተሓሳሰቦም ኣብ ሎንዶን ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን መርበብ መኣድና ነዚ ሓደጋ ንኸቃልል ዝኽእል መንገዲ ብምዝርራብ ነዚ ዘንጸባርቕ ክዳን ብሓገዝ እንተ ሰዲዶም ሓደጋ ክውሕድ ይኽእል እዩ ብምባል ነዚ ሓሳብ ኣበርከተ፣
ዮናታን ንመንእሰያት ኣብ ሎንዶን ዘለዉ ብፍላይ ኣብ ስደት ዘለዉ እዉን ብሓፈሻ ኽገልጽ ከሎ ።-
Jonathan goes to explain the start of initial thoughts and the origin of the idea to introduce safety into Eritrea after watching on Eritrean mass media which showed the number of traffic accidents.
And at the end of the interview Jonathan had the following to say:
(ዮ.ዑ.ሃ.)
እቲ መንእሰይ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ተሓባብራይ እዩ ፣ ባህሉ ክዕቅብ እዩ ዝደሊ ። ማዕረ ማዕሪኡ ኽኣ ናይ ዜና ምክትታል ልምዲ የምጽእ ኣሎ ። ብሕልፊ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ወጻኢ ካብ ትጅምር ብጣዕሚ ዘሐጉስ እዩ፣ እቲ ብኢንግሊሽ ዲዩ ብኻልእ ብናይ ኣደ ቛንቋ ዝዝርጋሕ ኩሉ ክማሃሮ ለበዋይ የሕልፍ ብኡ ጌረ ምክንያቱ ኩሉስ ኣሎ ፣ እቲ ሓበሬታ ንመን ኢኻ ክትራኸብ ከም ዘለካ እንታይ እዩ ኸ ዘድሊ ካብኡ ኢኻ ክትመሃር ትኽእል!
The Eritrean youth in Diaspora are very cooperative and are keen to upkeep their culture. And more and more have come to be following Eritrean progress closely via the mass media and especially on Eri-TV.
And Jonathan’s advice is for the youth to keep following and learning all the languages of the mother land and get involved, as Eritrea needs them and all the information is mostly available into how and what they can do for your country.

ኣስመሮም በርሀ :-
ኣበርክቶኡ ግቡኡ እምበር ከም ሓገዝ ዘይወስዶ ዮናታን ኣብ ስደት ምንባር ማለት ድሕሬኻ ዝገደፍካዮ ምርሳዕ ዘይኮነ ዝያዳ ምሕሳብ ንሃገካን ህዝብኻን እዩ ፣ ነቲ ኻልእ ዝገብሮ ሓገዝ እውን ግቡአይ እዩ ስለዚ ግቡእኻ ምግባር ክዝረበሉ የብሉን እሞ ክዝረበሉን ክዛረበሉን ፍቓደይ ኣይኮነን ብምባል ሓገዝ ምግባር ንውሽጣዊ ዕጋበት እምበር ንስም ከም ዘይጠቅም ኣዘኻኺሩ ፣
Jonathan says his contribution is his duty and obligation, and does not think it as helping. Jonathan says living abroad does not mean to forget where come from and the people you left behind, but to think about them and more than anything else into how to make the link stronger. And everything I do for my country is done in such spirit and it is never for name or fame or any benefit to me. It gives me great satisfaction and happiness to be able to contribute. And for this reason I would not permit and allow myself to put my name in front of anything I do but to thank all those who helped me to help others first! .
………………………………………ተፈጸመ….. END