Friday, 24 August 2007

Gedenana hade song and Aleku-anthem of YPFDJ

Gedenana Hade ! click on part two
http://www.meadna.com/business%20page/conferenceuk.html

ገደናና ሓደ !!!



ገደናና ሓደ
ባህጊ ልብና ሓደ
ደቂ ሩባ ሓደ

ዓማጺና ምስተፈርደ
ደበናና ምስበነነ
እንታይ እዩ ህዝበይ‘ቲ ናትካ ግደ?

ቀርኒ ጸላኢ ክስላዕ
ዓለባ ሕሰም ክትርባዕ
መኣዲ ሰላም ክስራዕ
ተመዓራረ ተሰራዕ
ተረአአ ተገዳዳዕ
ተሻሞ ህዝበይ ብሓንሳብ ምናዕ !


ከይንኸውን ሽሻይ ጓና
ንዓይ ንዓይ እንከይበልና
ምፍልላይ ወጊድ ኢልና
ዋልታ ሓድነት ገቲርና

ዝወደቐ ንኽንተክል
ዝነቐጸ ንኽጠልል

ከይንኸውን ዓዲ ውዑል
ብዘይሕወ ንወላወል

መሳርዕና ክበታትን
ሓዊ ኽመልስ ዝፍትን

ኣብኣ ትደዮ ሕደጎ
ቅልጽም ኩልና ትድሃኮ

ዝወደቐ ንኽንተክል
ዝነቐጸ ንኽጠልል
ከይንኸውን ዓዲ ውዑል
ብዘይ ሕወ ንወላወል…(2)


ዓወት ንሓፋሽ !!!





Count down to the day...Thursday 20th of march 2008-for the Easter weekend!

http://www.timeanddate.com/counters/customcounter.html?day=20&month=03&year=2008&hour=&min=&sec=&p0=0

YPFDJ party-enjoy
http://www.youtube.com/watch?v=3f8hAddUs3Y


ኣህጉራዊ መዝሙር
ኢርትራውያን መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ኤሮጳ
3-16 ወርሒ 4 – 2006

መን ኣሎ ከም’ዚ ህዝቢ?

መን ኣሎ ከም’ዚ ህዝቢ?
መን ኣሎ መን ፣ መን ኣሎ መን?
ደላይ ሰላም ቆልዓ ዓቢ፣
ሓደ ድምጺ ሓደ ልቢ።

ሃገረይ ንዓኺ ምፍቃር ፍቕሪ ህዝቢ’ዩ፣
ንሰላም ንውሕስነትኪ ልበይ ድልዉይ፣
ሃገራዊ ናትኪ ምኻነይ ዓቢ ጸጋዩ፣
ፍቕርኺ ሓለፋ’ለዎ ፍቕሪ ኣደ’ዩ።

ኣለኹ ከም ቀደመይ ኣብ መትከለይ፣
ኣለና ከም ቀደምና ኣብ መትከልና።

ሓቂ ምርኩስ ጽንዓት ደጀኑ፣
ትርግታ ልቡ ደወል ጀጋኑ፣
ብሓደ ድምጺ ከም ሓደ ኣካል፣
ማዕረ ዝስጉም እምነቱ ሓያል።

ኣለኹ ከም ቀደመይ ኣብ መትከለይ፣
ኣለና ከም ቀደምና ኣብ መትከልና።

ጽላለይ ምዕቆቢት ቤተይ እፎይ ዝብለላ፣
ጽምኣተይ ከም እተርዊ ፈልፋሊት ዒላ፣
ምንባረይ ብደውካ ሞት’ዩ ሃገር ተዘየላ፣
ነዝ’ዬ ዝጣበቐልኪ ኣብ ባይቶ ዋዕላ።

ጽኑዕ መንፈሱ ዘይጥበር ዘይታለል፣
ጽኑዕ ህዝቢ ከም ቀደሙ ኣብ መትከል።
ሓቂ ምርኩስ ጽንዓት ደጀኑ፣
ትርግታ ልቡ ደወል ጀጋኑ።

ኣለኹ ከም ቀደመይ ኣብ መትከለይ፣
ኣለና ከም ቀደምና ኣብ መትከልና።

ብኤርትራውያን መንእሰያት ህግደፍ ዓባይ ብሪጣንያ ዝቕረበት